Jul 252012
 

ኣቐዲሙ ተሓቢሩ ከምዝነበረ፡ ብኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበር (EDA e.V)፡ ዝዳሎ ዓመታዊ ፈስቲቫል (ሰፊሕ በዓል) ኤርትራ፥ ካብ ዕለት 03-05 ነሓሰ 2012 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ቦኰን ሃይምቫርተ ዝርከብ ዩንቨርስቲ Johann Wolfgang Goethe – UniversitätMERTONSTR. 26 – 28, D-60325 Frankfurt am Main ክካየድ ኢዩ።     

                ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል ናይ ስራሕ ምክፍፋል ዕማማታ ወዲኣ፡ ድሮውን ብዝተገብረ ጻዕርታት መሰረት፡ ክቡር ካርል ሊንድበርግ/Carl Lindberg/ ዝተባህሉ ሽወደናዊ ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ ንክሳተፍ ኣወንታዊ መልሲ ከምዝተረኽበ ተረጋጊጹ ኣሎ። ካርል ሊንድበርግ ኣባል ሰልፊ ሶሻል ደሞክራስን ኣባል ባይቶ ኡፕሳላ ኮሙን ኮይኖም፤ ደሞክራሲ ንኣወንታዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራን ዘርእስቱ ኣስተምህሮ ንተሳተፍቲ ፈስቲቫል ከቕርቡ ኢዮም። ብዘይካዚ ንግደ ትምህርቲ ምስ ዲሞክራሲ ብምትሕሓዝ፡ ትምህርትን ዘተኣማምን ተርኡን ኣብ ጐደና ምዕባለ ብዝብሉ ኣርእስትታት ኣብ ኣህጉራዊ ዋዕላታት ከም ኣቕራብን ተኻፋልን ኮይኖም ክንቃሳቐሱ ዝጸንሑ ኢዩ። ብተወሳኺ፡ ወከልቲ ኣዋሃሃዲት ሽማግለ ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ሓይልታት ኤርትራዊ ኣብ ፈስቲቫል ክሳተፉ ከምዝኾኑን፡ ዝተፈላለየ ሰሚናራት ከካይዱን፡ ብፍላይ ንተሳተፍቲ ፈስቲቫል ዝቐርብ መግለጺታት ከቕርቡ ምዃኖምን ኣሰናዳኢት ሽማግለ ክሳብዚ እዋንዚ ካብዘረጋገጸቶ ዕማማት ኢዩ።

ንፈስቲቫል 2012 ዝምልከትዝያዳን ዝርዝርን ሓበሬታ በብእዋኑ ከነስዕ ኢና።

ኣሰናዳኢት ሽማግለ

ፈስቲቫል 2012

 Posted by at 3:10 am