Mar 192012
ዓለም ለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዶብ ኤርትራ ሰጊሩ
ንዝወስዶ ዘሎ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ብትሪ ይቃወም
ብዕለት 15ን 17ን መጋቢት 2012፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንዶባት ኤርትራ ብምስጋር ኣብ ተቓወምቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይዕለሙሉ ዘበሎ መ ዓስከራት መጥቃዕቲ ከም ዝኸፈተ ባዕሉ መንግስቲ ኢትዮኢጵያ ብዘውጽኦ መግለጺን ብኣፈኛታቱን ኣፍሊጡ ኣሎ። እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት፡ ነዚ መጥቃዕቲ’ዚ ኣመልኪቱ ዘውጽኦ መግለጺ ዘይብሩህ፡ ሓበሬታ ዝጎዶሎ ዝመስልን፡ ፍርሂ ዝዓብለሎን እዩ። ካልኦት ብጉዳይ ኤርትራ ንግደስ ኢና ዝብሉ ድማ ርእዮም ከም ዘይረኣዩ ትም ክበሉ መሪጾም።
እብዚ ንታሪኽ ተሰኒዱ ዝነበር ዕለታት፡ ንዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ፡ ህቡብ ዘይኰን ቅኑዕ መርገጽ ክወስድ እጀታዩ ምዃኑ ብምግንዛብ” ነዚ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ በዚ ዝስዕብ ምኽንያት ብትሪ ይቃወሞ።

Hired fugitives, You are dead on arrival!
abey aloKi zeybeluwas…