Feb 182012
 

ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ሰዲህኤ ደሃይ ኣጥፊኡ፡ ብስርዓት ህግደፍ ተጨውዩ ከይከውን ዝብል ጥርጠራ ኣሎ

 

Last Updated on Thursday, 16 February 2012 01:22Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤThursday, 16 February 2012 01:18

mohamed-ali-ibrahim-2ተጋ/ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም፡ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ካብ ሰሉስ 14 ለካቲት 2012 ኣትሒዙ ኣብ’ቲ ዝነብረሉ ዝነበረ ከተማ ከሰላ ኣብ ሱዳን፡  ደሃይ ኣጥፊኡ ወይ ተሰዊሩ ከምዘሎ ሰዲህኤ ንኣባላት ሰልፍን ህዝብን ክሕብር ይፈቱ። 
 

ኣብ መደበራት ፖሊስን ሆስፒታላትን ዝተገብረ ፍተሻ ዝዀነ ይኹን ውጽኢት ኣይተረኽቦን። እቲ ኣብ ከተማ ከሰላ ሰፊኑ ዘሎ ጥርጣረ ግን፡ በቶም ብናጻ ኣብ’ቲ ከባቢ ክንቀሳቐሱ ዕድል ረኺቦም ዘለዉ ጸጥታዊ መጋበርያታት ናይ ስርዓት ኤርትራ ተጨውዩ ዝብል ኢዩ። 
 

ተጋ/መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም፡ ኣብ መርዓ ናይ ቤተሰቡ ክሳተፍ ንግሆ ሰዓት 8፡00 ካብ ገዝኡ ምስ ወጸ ኣይተመልሰን። 
 

ኣብ ከሰላ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ጅነቭ ዝርከብ ማእከላይ መደበሩን፣ ከምኡ ኣብ ጅነቭ ዝመደበሩ ኣህጕራዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ተሓቢሮም ኣለዉ።

 Posted by at 4:59 am

  4 Responses to “ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ሰዲህኤ ደሃይ ኣጥፊኡ፡ ብስርዓት ህግደፍ ተጨውዩ ከይከውን ዝብል ጥርጠራ ኣሎ”

  1. Meskineyti hagerey Ertra. Wenjelta bezihom. Nenhidhidom nay haymanotn Qebilan himam zelowom lekimomo yikonu´mber. Ertra dea intay kgebrela.

  2. “ብላዕ ዘይበልዎስ ጽብሑለይ”! ህግደፍ ደኣ እንታይ ሕማም ዓጢጥዋ’ያ ንጁድማጁድ ትዝርፍ፧ ወይ ሕልሚ ጥዑም!

  3. What is the latest news about this