Oct 012014
 

Google translation of French source

LiveLeak-dot-com-99a_1412097640-PHOae288f72-47d6-11e4-b3e7-e5a471991bc5-_1412097748Since this summer, the port authorities are facing massive intrusions illegals. The forces the estimate to 3000, mostly from Eritrea.

30 Sep. 2014

 

The “Wild West”. A situation “out of control”. A “zone of lawlessness.” In Calais, the port and the city are “under siege” despair authorities and residents about the deterioration of the situation, with the explosion in the number of illegal immigrants and increased their determination to join the “Eldorado” English. Despite the recent Franco-British agreement providing for cooperation between the two governments to better manage cross-channel migration pressure, a new aggressiveness and practices never previously witnessed unfold on the field, where incidents are increasing and spillage. Continue reading »

 Posted by at 2:57 am
Sep 292014
 

09/28/2014

xgena.2ክሳብ ሎሚ ከም ዝፈልጦን ዝተኸታተልኩዎን መንግስቲ ኤርትራ ብዘይካታ ‘’ቅዋም ክንነድፍ ኢና’’ ክብል ዘውጽኣ ቃል ጽገና ከገብረልኩም’የ እሞ ኣጆኹም ተስፋ ኣይትቝረጹ ኣይበለን። ብወገን ደምበ ተቓውሞ እውን እንተዀነ ሓይሊ ኮነ ዓቕሚ ስለዘይብሉ ብኸምዝን ከምዝን ኣብ ሃገር ‘’ጽገና’’ ክንገብር ኢና ዝበለ ውድብ ወይ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ኣይሰማዕናን። እዛ ጽገና ድኣ ካበያ መጺኣ? መንዩኸ ዋንኣ? እንተዘይተጋግየ እዛ ቃል እዚኣ እቲ ሰላማዊ ኣገባብ ቃልሲ ዝብል ዘረባ ምስ መጸ እዚኦም ብስርዓት ኢሳያስ ዝተላእኩ ነቲ ስርዓት ንምልጋስ ዘይኰነ ንምጽጋኑ ዝኣምኑን ዝሰርሑ ዘለዉን ኢዮም ብማለት ዘጠመቑዎም ስም ኢያ። ብናታቶም ኣተረጓጕማ ከኣ እዚ ጽገና ነቲ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ፕረሲደንት ኢሳያስን ነቲ መንግስቱን ከይተንከፍካን ከየልገስካን ገለ ገለ ንኣሽቱ ጽገናታት ኣብ ታሕቲ ብምግባር እቲ ዲክታቶርያዊ ኣሰራርሓን ኣመራርሓን ከም ዘለዎ ንኽቕጽል ንምግባር’ዩ ኢሎም’ዮም ዝኣምኑ። እዚ ከኣ ምስቲ ኣብ ስልጣን ናይ ምምጻእ ሕልምታቶምን ትጽቢታቶምን ስለዘይሰማማዕ ጽገና ማለት ከም መልኣከ ሞት ክፈርሑዎን ክጸልኡዎን ንርኢ። ጽገና ኣይንደልን ክብሉ ከኣ ለይትን መዓልትን ክግዕሩን ክፍክሩን ይስምዑ።
‘’እንካ ዘይበሉዎስ ጽብሑለይ ይብል መንከ እንኩ ምስ በለኩም’’ እንተበልዎምሲ እንታይ ኮን ክምልሱ ይኽእሉ። ብናተይ ኣተናትና ግን ጽገና ማለት ንዝተሰብረ ምዕራይ፡ ንዝተበላሸወ ምምሕያሽ፡ ንዝፈረሰ ምንዳቕ፡ ስለዝኰነ ኤርትራውያን ኣብቲ ዘሎ ስርዓት ጽገና ክንገብር እንተዀንና ብመጀመርያ ነገር እቲ ስልጣን ሒዙ ዘሎ መንግስቲ ክቕበሎን ክሰማምዓሉን ኣለዎ። እሞ መንግስቲ ኤርትራ ህላወና’ኳ ዘይኣመነስ ኣብ ጽገና ክሰማማዕሲ መን በለ? ካበይ ዝመጸ ስግኣት ኢዩኸ? ብናተይ ኣረእእያ ኩሉ ካብ ነብስኻ ዘይምእማንን ፍርሕን ዝነቅል ሕልሚ ጥራሕ ኢዩ። ጽገናን ሕማም ኣውራጃነትንሲ እንታይ ዘራኽብ ኣለዎ ንዝብል ሕቶ ከኣ ልክዕዩ እቲ ጕዳይ ዘራኽብ የብሉን፡ እቶም ሰባት ግን ሕማሞም ሓደ ስለስዝዀነ ይራኸቡ ኢዮም። Continue reading »

 Posted by at 2:25 am
Sep 262014
 

09/25/2014
I am writing this short note in reaction to some of the unhealthy and rather injurious views expressed in response to Ato Kelete’s recent articles by some readers. One of them is Mr. Mr. Berhane Tecle.

Mr. Tecle has stated that he has been following Mr. Keleta’s writings for the last 13 years, but he thinks despite his positive approach, this guy is now purposely(deliberately) defaming a specific awraja (province).

I too have been following very closely and keenly all the articles written by Mr. Keleta Kidane, but I did not detect in his writings views which favours one region to the detriment of another. I am thus with the opinion that we need to exercise self-censorship when dealing with such sensitive issues. In other words, such unhealthy views, as you and others have expressed needlessly, are not in the interest of unity and nation-building. Yes, everyone is free to express his/her opinion freely but only responsibly. Indeed, what we need at this juncture of our history is to foster and develop Eritreanism and not regionalism. Continue reading »

 Posted by at 2:51 am
Sep 262014
 

SANA’A, Sep. 25 (Saba) – Deputy Minister of Oil and Minerals Ahmed Basarih reviewed on Thursday with the ambassador of Eritrea Mohammed Abdul-Jalil aspects of cooperation in the area of oil, gas and minerals.

During the meeting, the Eritrean ambassador highlighted the significance of strengthening cooperation aspects between the two countries, mainly in the field of oil, gas and minerals and exchanging experience as well.

The ambassador handed over an invitation to Basarih for the Minister of Oil and Minerals Husain al-Kaf to attend the International Conference for Minerals which is to be held in Eritrea during 1 – 5 October. Continue reading »

 Posted by at 2:49 am
Sep 252014
 

09/24/2014
ሰላምን ቅሳነትን ዘለዋ ሃገር ንምህናጽ ሕድገታትን ምትእምማንን ዘለዎ ብቕዋም ትመሓደር ሃገር ንምምስራት ክንሰማማዕ ከሎና ኢዩ። ከምዚ እዞም ጸረ ጽገና ሎሚ ዝዛረቡዎን ዝፍክሩዎ ዘለዉን እንተዀይኑ ግን ሓይልን ዓቕምን ስለዘየልቦ እንተዘይኰይኑ መሰረታዊ ለውጢ ክብሉ ከለዉ ትርጕሙ ነዚ ዘሎ መንግስቲ መንቍስካ ስልጣን ምጭባጥ ማለት ኢዩ። እዚ ከኣ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ይከኣልዩ ተባሂሉ ዘይኰነ ሕልሚ ጥራሕ ኢዩ። ካብ ሰማይ ዝነጥብ ወይ ብትኣምራት ዝመጽእ ለውጢ እንተተረኺቡ ግን እዞም ሎሚ ህዝቢ ከጽንቱን ኣውራጃ ክድምስሱን ክፍክሩ ዝሓድሩ ዘለዉ ለውጢን ሰላምን ከምጽኡ ዘይሕሰብ ኢዩ። ሰላም ዝሰፈና ሃገር ንምትካል ናይቲ ዝሓለፈ እዋናት እቶም ደቂ ሃገር ኵላትና በብገበናትናን በደላትናን ብሕጊ ከም ዝውሰን ኰይኑ እታ ሃገር ግን ነቲ ኵሉ ኣብቲ ናይ ፍትሒ ኮነ ምምሕዳራት ከምኡ’ውን ናይ ጸጥታ ኮነ ናይ ብሔራት ዘሎ ወጽዓታት ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዘሎና ደቂ ሃገር ንስኻ እዚ ሃብ ንስኻ እውን እዚ ግደፍ እናተበሃሃልና ጽገናዊ ለውጢ ብምምጻእ ንሃገርናን ህዝብናን ሰላም ከነምጽእ ምስ ንኽእል ጥራሕ ኢዩ። እቲ ክሳብ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ጽገናዊ ለውጢ ንምምጻእ ብጂ 15 ኮነ ስርሒት ፎርቶ ወዲ ዓሊ ዝተገብረ ፈተናታት ንጽገና ከም ዝነበረ እንድሕሪ ንሰማማዕ ኰንና እቲ ዘበገሱዎን ዘካየዱዎ ፈተነን ትዓዊቱ እንተዝነብርሲ ምተቐበልናዮዶ ምተሓሰምናዮ? ንባዕሉ ሓደ ሕቶ ኢዩ። ስለዚ ከኣ ኣይርከብን ድኣምበር እቲ ጽገናስ ኣይንደልን ዘይኰነስ ንሕናስባ ንደሊ። መንሞ ክህበና?
ባዕሉ ዝደለዮ መንግስታዊ ጽገና ንምግባር እንተዘይኰይኑ መንግስቲ ኤርትራ ስለዘይደልዮን ዘይቅበሎን ግን ሎሚ መንግስቲ ኤርትራ ንዓና ጸዊዑ ህዝባዊ ጽገና ንግበር ክብለና ፈጺሙ ክሕለም ዝኽእል ኣይኰነን። እቲ ንጽበዮ ለውጢ ብውሽጥን ካብ ህግደፍን ካብ ኮነ ከኣ ብዘይካ ዝሃቡና ክንቅበል ዝገበሩና ክንከውን ሓይልን ጥርናፈን ዘይብልና ‘’ጽገናባ ካልእባ’’ ኢልካ ቅድመ ኵነት ተቕርበሉ ምኽንያትሲ መን ምስ ጸውዓካን ምርጫ ምስ ሃበካን ኢዩ? ‘’ እንካ ዘይበሉዎስ ጽብሑለይ ይብል’’ ዝበልዎ ከኣ ንኸምዚ’ዩ። ካብኡ ሓሊፉ ለባማት ተረኺቦም እዚ ዝካየድ ዘሎ ናይ ወገንነትን ኣውራጃነትን ጐስጓሳት ገዲፍካ እቲ ቃልሲ ንጹሃት መንእሰያት መሪሖሞ ብሓደ ክንቃለስ እንተዘይተኻኢሉ ከኣ ብርእይቶይ እዞም ወገነኛታትን ኣውራጃውያንን ዓንቀፍቲ ከይተኣልዩ በዚ ዝኸይድ ዘሎ ሕማማት ኣውራጃን ዓሌትን ኣይኰነንዶ ቃልሲ ክምዕብልን ለውጢ ከምጽእን እቲ ክሳብ ሎሚ ሰንከልከል እናበለ ዝጸንሔ ቃልሲ እውን ሰብ ክበትኽ ኢዩ። ቃልሲ ብድሌትን ሃገራዊ ስምዒትን ህዝባዊ ሓልዮትን ብምትእምማንን ዝካየድ እምበር እናፈራራሕካን ዘይተቓለስኩም ኢልካ እናጓጠጥካን በትሪ እናወጣወጥካን ህዝቢ እናጸለምካን ኣይኰነን። ሰብከ በየናይ ተስፋ? ንመን ኣሚኑን ትኣማሚኑን’ዩ ክቃለስ??
ኣብዚ ደምበ ተቓውሞ ሓደ ልምዲ ጸኒሑ ኢዩ። ንሱ ከኣ ሓደ ሰብ ዝተፈላልየ ናይ ጽልእን ወገንነትን ጠባያት እናኣርኣየ ከሎ ድሓን ኣነ ካብኡ ክሓይሽን ሸለል ክብልን ኣሎኒ እናተባህለ ክሕለፍ ጸኒሑ ኢዩ። ነቲ ነገር ግን ኣግዲዱዎ እምበር ኣየመሓየሾን። ኣብዚ ሎሚ በጺሖሞ ዘለዉ ገዛ ፓልቶክ ከፊቶም ኣብ ከነጥፍኣኩም ኢና ክንሓርደኩም ኢና ምባል ከኣ በጺሖም። እሞ ንሕናኸ ሰብ ኣይኰናን ዲና? ነቲ ብዘረባ ዝመጸና ምጕብዕባዕ ንሕናኸ ኣይፋልኩምን ዓገብ ክንብል ኣይንኽእልን ዲና? ንሰብ ምንዓቕ የውድቕ እምበር ኣየማዕብልን’ዩ። እቲ ኵሉ ዘለፋን ፈኸራን እኮ ሰብ ይሰምዖን ይስነድን’ዩ ዘሎ። ብመዓልቱ ከኣ እቲ ዝሕተት ክሕተተሉ’ዩ። እንቶ ብዛዕባቲ ኣውራጃ ዝበሃል ግን ኣውራጃ ጣልያን ንምምሕዳር ክጥዕሞ ኢሉ ዝሓንጸጾ ናይ መሬት መመቓቐሊ ዶባት እምበር ናይ ሰባት መግለጺ ኣይኰነን። ኣውራጃ ዝመለለይኡ መልክዕ ዓሌት ባህሊ መንነት እውን የልቦን። ኣውራጃ ማለት ከኣ ሓደ ህዝቢ ብጥርኑፍ ዝመሓደረሉ ቦታ እምበር ካልእ ኣይኰነን። ብኣውራጃ ምብኣስን ምፍልላይን ከኣ ብዘይካ ድንቍርና ብወገነይ ካልእ ትርጉም ኣይህቦን። ረብሓኦም ብዘየገድስ ነዚ ዘንቀሳቕሱን ዘባርዑን ኣካላትን ሓይልታት ምህላዎም ንምግማትን ንምርዳእን ግን ጸገም ኣይመስለንን።
ነዚ ብዝምልከት ከኣ ህዝቢ ሓደ ኣውራጃ ኣንጻር ካልእ ህዝቢ ኣውራጃ ንምልዕዓል ክፉእ ምስ ረኣኹን ምስ ሰማዕኩን ብወገነይ ዘረባ ቆልዑዩ ከይበልኩ፡ ዘረባ ጽሉላትዩ ከይበልኩ ፡ ብጽልኢ ዘይኰነስ ብኽብረትን ብጽቡቕ ቃላትን ክእርም’የ ፈቲነ። እቲ ተበግሶ ግን ናይ ሓደ ናይ ክልተ ደናቝር ዘይኮነ ብመደብን ብትሓባባርነትን ካልኦት ሰባት ንናይ ኣውራጃ ህዝቢ ዝኣክል ንምድሃልን ንምፍርራሕን ዝካየድ ዝነበረ ጐስጓስ ምዃኑ ከኣ በጺሔዮ። መጻረፊን መፈላለይን ገዛ ከፊትካ ህዝቢ ኣኪብካ ዓው ኢልካ ኣንጻር ሓደ ኣውራጃ ብብሓደ እናፈከርካ ዝግበር ዝነበረ ጸለመን ፈኸራን ከኣየ ኣብ ቃልዕ ኣውጺኤ። እቲ ነገር ግን ክውስኽ እምበር ክቕንስ ኣይርኣኹዎን። እቲ ዝገርም ከኣ ኣነ ነቶም ኣውራጃን ህዝባን ዝኣክል ዝጸርፉን ዝዘልፉን ዝነበሩ ውሑዳት ዘይኮነስ እቶም ኵሎም ናይ ፖለቲካ መራሕትን ተንቀሳቐስትን ናይ ሃገር ሓለይትን ኢና ዝብሉ ካድራትን ሓልፍትን ኣብ ክንዲ ዓገብ ምባል ትዓዘብትን ሰማዕትን ኰይኖም ኣብቲ ገዛ ተጸቓቒጦም ነቲ ጐስጓሳት ጽልኢ ክሰማምዑሉን ከስምሩሉን ምዕዛበይ ኢዩ። Continue reading »

 Posted by at 3:46 am
Sep 242014
 

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን፡ ኣብዚ ናይ ሎሚ መዓልቲ ንዝኽሪ መበል13 ዓመት
ፖሎቲካውያን እሱራትና እቶም ብውሳኔ ውልቀ መላኺ ስርዓት ኣስመራ ብዘይ ብቑዕን ቅቡልን ምኽንያት ብዘይ ሕጋዊ ፍርዲ ኣብ ቀይዲ ከእትዎም ዝጀመሩሉ ዕለት ስለዝኾነ፡ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ኣብ ሃገራውን ሰውራውን ዝተሞርኮሰ ንቃልሶምን ተወፋይነቶምን ብልዑል ሕልናዊ ስምዒት እንዳዘከርና፡ ነቲ ንሶም ሕቶ ኣልዒሎም፡ ምእንትኡ ዝተኣስርሉ ቀንድን ኣገዳስን ሃገራዊ ዕማም ንምዕዋቱ ኣሰሮም ተኸቲላና ብልዑል ሃገራዊ ሕልና ንምቅላስ ክኸውን ከሎ እቲ ቀንዲ ዕላማ፡ ነዚ ኣብ ግምት ኣእትዮም እዚ ናይ ሎሚ መዕልቲ ሰሚናር ዘዳለዉ ሓቦኛታት ኤርትራዊያን መንእሰያት ክብ ዝበለ ምስጋናይን ኣድንቖተይን ብሽመይን ብሽም ኩሎም ፖሎቲካዊያን እሱራትና ዓቢ ምስጋንይ የቕርብ።
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን፡ በዚ ኣጋጠሚ ናይ ሎሚ መዓልቲ ንፖሎቲካውያን እሱራትና ክንዝክር ከሎና፡ እቲ ንሶም ምእንታኡ ዝተኣስርሉ ንክንፈትሖን ክንዕወተሉን ኣዝዩ ኣሸጊሩና ዘሎ ዓቢ ሃገራዊ ህመት ንኹልና ብሓባር እዩ ዝምልከተና፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሕቶ ምርግጋጽ መሬታዊ ናጽነትን ልዕላውነት ሃገርን ወላእኳ እንተ ተዓውተ፡ ንምርግጋጽ ዜጋዊ ሓርነታዊ መሰልን ማሕበራዊ ፍትሕን ማዕርነትን ንምብጻሕ ግን ጌና ኣብ መስርሕ ቃልሲ ኢዩ ዝርከብ። Continue reading »

 Posted by at 2:53 am
Sep 242014
 

09/23/2014
ቃልሲ ናይ ዝቃለሱ እዩ ንዝብል ሓሳብ ዘይረዳደኣሉ ሰብ ኣይክህሉ ምኽንያቱ ኣብ ቃልሲ እንተለኻ ኢኻ ምረት ቃልሲ ትፈልጥ ዋና ብዛዕባ መደባትካን ተግባራትካን ባዕልኻ ኢኻ ምስ መቃልስትኻ ድማ ትላዘብ ትሰማማዕ ንትግባረ እቲ ስምምዕ ድማ ምስ መቓልስትኻ ሓቢርካ ትዓዪ. ብማዕዶ ግን ብዛዕባ ዝቃለሱ ካብ ምዕላል ኣፍልጦ ደጋዊ መዳያት ሓሊፉ ትገብሮ ነገር ኣይክህሉን. እንተኾነ እዛ ምሉእ ሓሳባት (ቃልሲ ናይ ዝቃለሱ `ዩ) ብምልዓል ንኽቃለስ ዝተበገሰን ንዝቃለስን ኣብ ቃልሲ ንዘጋጥም አረ ኣብቲ ውሽጢ ዝፈልጦን ዝቃለሰሉን ውዳቤ ዘጋጠሙ ጉድለታት ዓገብ ንዝበለን ከምዚ ኣየዋጽኣናን ከምዚ ይሕሸና ኢሉ ካሊእ ኣማራጺ ናይ ሓሳብ ዘመንጨወ` ዶ ትረግጾ ኢኻ. ኣይፋሉን ነዚ ደኣ ሓንጎፋይ ኢልካ ትቅበሎ ተኽብሮ ብሓሳቡ ድማ ዘለዎ ክብሪ ኣብ ቃልሲ ብውሑዱ ትሕልወሉ ፍልልይ ዘምጽእ እንተኴይኑ ድማ ብዝተኻኣለ ብውሕልነት ዝምልከቶ ኣካል ፍልልይካ ተጽብብ. ብዘለካ ብዙሕነትን ፍልልይ ሓሳባትን ትኾርዕ ከመይ ሃብቲን ምስጢርን ውሽጣዊ ሓይልኻ ንእዋኑ ኣብ መጻኢ ድማ ምስጢር ዓወትካ እዩ. እታ ኣቐድምና ዝረኣናያ ሓረግ ግን (ቃልሲ ናይ ዝቃለሱ `ዩ) ኣብ ግቡእ ቦታኣ ትጥቀመላ እሞ (ቃልሲ ናይ ዝቃለሱ` ዩ) ኣበይ ደኣ ትጥቀመላ ዋናታታ ይመልስዎ. ኣብዚ እዋን እዚ ህዝቢ ብዓቅሙ ካብ ምቅላስ ኣዕሪፉ ዶ መንእሰይ መግለጺ መባእታዊ ቃልሱ እግረይ ናብ ዝመርሓኒ ብምባል ዶ ኣይኮነን እግሩ ናብ ዝመርሖ ዝጠፍእ ዘሎ. ድሕሪ እዚ ዝመጽእ ድማ ውደባ እዩ መንእሰይ ዳግማይ ቅንዕና ዘይብሉ መሪሕነትን ኣካይዳን ኣብ ውሽጢ ሓደ ውደባ ምስ ዝሪኢ ድማ ቃልሱ ቀጻሊ እዩ. እዚ ቃልሲ እዚ ከኣ እቲ ዝኸፍአ ይኸውን ኣብ ነንሕድሕድካን ትፋለጥ ሰባትን ስለዝኾነ. እዚ መንእሰይ ካብቲ ዝቀደመ ስርዓት ዝወሰዶ ዘይምትእምማን ምስ እዚ ውሽጣዊ ገስረጥ ኣሰራርሓ ተሓዊስዎ ውጺኢቱ ካብ ዘይምትእምማን ናብ ዝኸፍኣ ዘይምትእምማንን ፍልልይን ይኸይድ. እሞ ብኸምዚ ዝዓቢ ዘሎ ሕብረተሰብ ኣብ ቃልሲ ከምጸኦ ዝኽእል ገስጋስ ክህሉ ይክእል ዶ, ናይ ሕልና ሕቶ. Continue reading »

 Posted by at 2:50 am
Sep 242014
 

ኣብዚ ሕጂ እዋን ንርእዮ ዘሎና ንዛ ሃገር ይሓልዩላ እዮም ንዝብሃሉ ደቃ ወይ ብኣጸዋውዓ ናይዚ ግዜ ዚ ደንበ ተቓውሞ ወይ ደለይቲ ፍትሒ ተባሂልና ንፍለጥ : ኣብ ነሕድሕድና ክንቃራቖስ ሃገር ትበርስ ኣላ :: እዚ ጠንቁ እንታይ እዩ ዝብል ሕቶ እስከ መልሲ ንርከበሉ :

1 ) ሕቶ ስልጣን

ስልጣን እታ በጊዕ ኣበይ ንእሰራ ኮይኑ ይስምዓኒ ምኽንያቱ እቲ ለውጢ ፈቲና ጸሊእና ብዉሽጢ ዓዲ እዩ ክብገስን ክመጽእን : እሞ እንታይ ደኣሉ ዘባእስ ዘሎ እንተኢልኩም : እዚ ክትብሎ ኣይትክልን : ምኽንያቱመጀመርያ ብሕባር ኮይና እሞ ነዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ኣንበጣ ሓሓሕ ንበሎ ብድሕሪኡ ጭዋ ዝኾነ ህዝቢ : ክንደይ ዓበይቲ ዓድን ለባማትን ኣቦታት ማእለያ ዘይብሎም ምሁራት ዝተዓደለት ሃገር እንታይ ከይትኸዉን ብሃላይ እይ :ስልጣን ብማዕዶ ህርፋን ጌሩ ኣብ ሕልሚ እዩ ዘንብረካ ስለዚ ነዛ ትበርስ ዘላ ሃገር ኩልና ንሕለየላ : ስልጣን ኣብ ዝኸደና የብሉን : ሕጂ እቲ ስልጣን መን እዩ ዝደልዮ ዘሎ ናብ ዝብል ንመለስ :: እቲ ቀዳማይ ተጋለደልቲ ተጋድሎሓርንርት ዝነበሩ ሕጂ እዚ ዝነኣሰ ወዲ 50 ዓመት ኮይኖም ዝርከቡ ጌና ክቱር ህርፋን ሓላፍነት ከምዘለዎም ዘርኢ ስምብራታ ኣበየ ዝተጠርነፉሉ ናይ ተቓዉሞ ደንበ መራሕቲ ንዓመታት ተወጢሖሞ እምቢ ኣይንወርድን ክብሉንርእዮም ኣሎና:: መዓስ ደኣሉ መንእሰይ ዝርከቦም ፤ ንሱ ብልሓት ኣለዎ ንምርካቦም :: ስልጣን ዝረብሕሉ ዶ መሲሉኩም እታ ረብሐኦም ኣዲስ ኣበባ ኬድካ ቁርጥ ስጋ ምብላዕን : ዊስኪ ምስታይን እያ ካብኡ ዝሓልፍ ረብሓ ዝረኽቡከምበዓል ኣድሓኖም ገብረማርያም ገዲፍካ ማለት እዩ:: ስለዚ እታ ስልጣን ነዚ እዩ ቁሩቁስስስ ንርዮ ዘሎና :: Continue reading »

 Posted by at 2:40 am
Sep 242014
 

09/23/2014
Many at times, the issue of Regionalism is familiar with most of the irresponsible articles that we read from all corners, written by different personalities depending on how sincere ( as that of the one claimed by you to be) and others with varieties of agendas and missions. Yet, I found it very campaigning and affirming the one that you recently wrote about “ Amanuel / Rasta” which seemed to be sincere in the beginning and hypocritical in its deep context for someone vigilant. Continue reading »

 Posted by at 2:35 am
Sep 212014
 

09/21/2014
ኣብ ዝሓለፈ እዋን  በዚ ኣርእስቲ’ዚ ዘስፈርኩዎ ጽሑፈይ  ክቕጽል ምዃኑ ኣይሓበርኩን። ይኹን’ምበር ገለ ለባማትን ሓለይቲ ሃገርን ህዝብን ምዃኖም ዝኣምነሎም ደገፍቲ ይኹኑ ተቓወምቲ መንግስቲ ዝዀኑ ፈተውተይ  ነቲ  ብጕዳይ ጽገና ምዝራብ  ክቕጽሎን ብዛዕባኡ  ብስፍሕ ዝበለ ክጽሕፍን ክገልጽን ስለዝሓተቱኒ እነሆ እቲ  ናይ ሎሚ ኣርእስቲ  እውን ከም መቐጸልታ ናይቲ ዝሓለፈ ክኸውን ተሰማሚዔ ኣሎኹ።  ንሱ ጥራሕ ዘይኰነ እውን ብገለ ገለ ምኽንያት ድኣ ኣይክኣልኩን ኣሎኹ እምበር  ብስነስርዓትን ብምክብባርን ነቲ ንሶም ዝኣምኑዎን  ዝኽተሉዎን  ንመንግስቲ ኤርትራ  እውን ብምኽባርን ብዘይ ምዝንጣልን ምስ ዝኸውን ብቐጥታ ምስቶም ተቓወምቲ ገጢሞም ሓቅነትን ተወፋይነትን ሓልዮትን መንግስቶም  ንህዝቢ ንምርዳእን ንምዕጋብን ከም ዝሰማምዑን ንዝዀነ ይኹን ተቓዋሚ በሃላይ ንዘቕርቦ ክስታት ክብድሁዎ ቅሩባት ምዃኖም  እውን ቃል ኣትዮምለይ ኣለዉ። ስለዚ ኣነ’ውን ቅኑዕ ሃገራዊ ቃልሲ ክሳብ ዝምስረት ካብ ሎሚ ጀሚረ መልሓሰይ ኣነ ዘይደልዮ ከይትዛረብን ኣብ መንጎ ደገፍቲ ኮነ ተቓወምቲ ወገን ከይትገብርን ንኣፍልጦኹም ገዚተያ ኣሎኹ። እዚ ማለት ግን ግፍዕን ጭቆናን ጌጋታትን ኣብ ዝህልወሉ እዋን ኣብ ሃገር ኮነ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዓገብ ምባል ክገድፍ’የ ማለት ኣይኰነን።

‘’ንጽገና’’ መንዩ ዘይደልዮን ዝቃወሞን? Continue reading »

 Posted by at 7:38 pm